ካልኣይ ዓመታዊ ርክብ ራእይ ገዳማትና
ኣመታዊ ርክብና ብሓባር ተኣኪብና፡ ብሕውነታዊ ፍቕርን ጽቡቕ ግዜ ንምሕላፍ ኣብ ልደታ ማርያም ስቶክሆሎም ንዕድመኩም።
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ፣ አሐዱ አምላክ፣ አሜን።
ናብ ዝከበርኩምን ዝከበርክንን ኣቦታት፣ ኣዴታት፣ ኣሕዋትን ኣሓትን፣ ናይ እግዚአብሔር ቤተሰብ፣ ከመይ ኣለኩም? እቲ ልዑልን ህያውን ዝኮነ እግዚአብሔር ኣምላክና ክሳብ እዛ ሰዓት ብሰላም ዝጽንሃና ክብርን ምስጋናን ይኩኖ።
ጽቡቕ ክትህልዉ እናተመነና፣ ኣመታዊ ርክብና ብሓባር ተኣኪብና፣ ብሕውነታዊ ፍቕርን ጽቡቕ ግዜ ንምሕላፍ ኣብ ልደታ ማርያም ስቶክሆሎም ንዕድመኩም።
📍 ቦታ፦ Eritreanska Santa Maria Ortodoxa Tewahdo Kyrkan i Stockholm, Högdalen, Önskehemsgatan 15, 124 54 Bandhagen
🗺️ Google Maps – ኣድራሻ፦ ኣብ ካርታ ክፈቱ
📅 ዕለት፦ Saturday, 21 Nov 2026 (12 ህዳር 2019, ቅዱስ ሚካኤል)
⏰ ሰዓት፦ ድሕሪ ቅዳሴ
እግዚአብሔር ራእይ ገዳማትና ባሪኩ ፍቅርን ሰላምን ምርግጋእን ቅሳነትን ይግበረልና። በረኸቱን ረድኤቱን ምህረቱን የብዝሃልና።
እግዚአብሔር ሰላሙ ይሃበና!
